Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ሕቶታት

ድልድል ፕሮጀክት ናይ መፅናዕቲ ምህዞን ፕሮጀክት ኾይኑ ኣብ ምምዕባልን ምጥንኻርን ሃይማኖታዊን ባህላዊን ጉዳያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ኢትዮዽያን ዓባይ ብሪጣንያን ዝትግበር ፕሮጀክት እዩ። እዚ መፅናዕቲ ዘይመግዛእታዊ ኣቀራርባ ዝኽተል እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ትኩረት ዝገብር እዩ። ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ናይቶም ጉዱአት ሃይማኖታዊን ባህላዊን ኩነታት ከምኡ’ውን እቶም ጉድአት ዘብፅሑ ወገናት እቶም እምነታትን ኣተሓሳስባታትን ኣብቲ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ዘለዎም ፅዕንቶ ከምኡ’ውን ኣብ መርዓ ስነ-ፆታ ቁሳዊን ስነ-ልቦናውን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ዘለዉ ርድኢታት የተኩር። ምስ ኢትዮዽያን ኤርትራን ብምትሕብባር ኣብ ገፀር ይኹን ኣብ ከተማ ንዘለዉ ማሕበረሰባት እዚ ፕሮጀክት ሓደሽቲ መፅናዕቲታት ብምርአይ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ንዘጋጥሙ መጥቃዕቲታት ኣብ  ኣናሳ ብሔረሰባት ኣብ ዩኬይ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝበለፀ ንምሕጋዝ ይሰርሕ። እዚ ፕሮጀክት ዩ ኬይ አር አይ(UKRI) ኣብ ትሕቲ መፃኢ ኣመራርሓ ተኸተልቲ/Grant Ref.Mr/T043350/1 ከምኡድማ ብተወሳኺ ሓገዝ ካብ ትካል ሃሪ ፍራንክ ጋጊነህም  /ብ2019 ናይ ክብሪ  ሊቅነት ተሸላሚ) ይሕገዝ።

ድልድል ቃሉ ናይ ትግርኛ እንትኸውን እቲ ቃል ድማ አብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ይንገር። እዚ ቃል ነዚ ፕሮጀክት ብሙሉእነት ዝገልፅ እንትኸውን ትርጉሙ ድማ ዝተፈላለዩ ሞያታት፣ ዘርፊ ስራሕቲ፣ መዳርግቲ አካላት ብምርኻብ፣ ብሓባር ብምዃንን ብዝተአሳሰረ ኹነታት አብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን ባህልን ዘለዎ ማሕበረሰብ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ትኹረት ገይርኻ ምስራሕ እዩ። ብተወሳኺ ድማ አብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ዘሎ ባህሊ ናይ ፍልጠት ልውውጥ ብምግባር እቲ አብ ደቡብ ማሕበረሰብ ዘሎ ሉአላዊነት ዘርኢ ታሪክ ብምቅያር አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲን ሥነ-ፆታን ንምፅናዕን ንምትግባርን ይጠቀም።

እዚ ኣርማ ብኣይተ ዳንኤል ደስታ ዲዲኤን ስራሕቲ ማስታወቂያን ኣዲስ ኣበባ ኢትዮዽያ ዝተዳለወ እዩ። ዶክተር ዳኒኤል ምስ ዶክተር ሮሚና ኢስትራቲ ብሓባር ዝሰርሑ እንትኾኑ እቲ ምልክት/ኣርማ/ነቲ ናይ ፕሮጀክት ራዕይ ብዝተሳኸዐ መንገዲ ገላፃይ ኾይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ብቅኑዕ ልቦና ንዝስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ይሕግዝ።

እቲ ፃዕዳ ዓምዲ ዝውክሎ ነቶም ናይ’ቲ ፕሮጀክት  ዕላማ ንምስኻዕ ብሓባር ዝሰርሑ መዳርግቲ ኣካላት እዩ። እቲ ቀይሕ ቐለም ድማ ቐይሕ ደም ዝውክል እንትኸውን ብምክንያት ኣብ ውሽጢ ገዛ/ቤተሰብ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዘሎ ስቓይን ጉድኣትን የርኢ። እቲ ፀሊም ቆፅሊ ድማ ንብዓት/ብኽያት/ ይውክል።

ካብ’ቲ ድልድል ጠንካራ ጨንፈራት ይዓብዩ። እዚ ዘርእየና ተስፋን ንምዕባለ ዘሎ ምንቅስቓስን እዩ። እቶም ጨንፈራት ነኒባዕሎም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ድማ በዚ ፕሮጀክት ዝተኣሳሰሩ ወገናት ሓባራዊነቶምን ምትእስሳሮምን ዘርኢ ኾይኑ ብዝጠንከረ ቕልፅም ድማ ብምክንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ/ገዛ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብን ምሕጋዝ ይጠቅም።

እዚ ፕሮጀክት ዝተሰርሐን ዝምራሕን ብናይ UKRI Future Leaders Fellow  ዶ/ር ሮሚና ኢስታርቲ እንትኸውን ዘተኣናገዶ ድማ ኣብ ናይ ታሪክ ትምህርት ቤት ሃይማኖትን ፍልስፍናን ኤስ ኦ ኤ ኤስ (SOAS) ዩኒቨርሲቲ ለንደን እዩ / ዋና ተመራማሪትን  ተሟጓቲትን እያ። ዶክተር ሮሚና ነቲ መፅናዕቲ ንምምራሕ፣ ንምስራፅ ስራሕቲ ፍልጠት ምልውዋጥ ውፅኢታዊን እምነትን  መሰረት ዝገበረ ርክብ መሳርሕቲ ኣካላት ተሓባበርትን ማሕበረሰባት  ሓላፊነት አለዋ። ዶ/ር ኢስትራቲ ነዚ መሀንጠዋይ ዝኾነ ፕሮጀክት  ኣብምምራሕን ኣብ ምትግባርን፣ ወ/ሮ ሓበን ሂል ብትርፊ ሰዓተን ፕሮጀክት ማናጀር ብምዃን ይሕግዝኣ።

እዚ ፕሮጀክት ብዶክተር ኢስትራቲ መሃዛይነት ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮዽያ ኣብ ናይ ሕሉፍ ነዊሕ እዋን መፅናዕቲ ፒኤች ዲ ንቡዙሓት ዓመታት ምስ ኣብ ኣክሱም፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ዝርከቡ መሓዙት መስርሕን ብምምኽኻርን ብምምይያጥን ዝተሰርሐ’ዩ። ሓደሽትን ነባራትን መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ እንትኸውን ብትምህርቲ ትካላትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝትሃነፀ እንትኸውን ከም ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ /ኣክሱም ኢትዮዽያ/፣ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ (መቐለ ኢትዮዽያ) ማሕበረሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ አንስትዮ ኢትዮዽያ (ኣዲስ ኣበባ ኢትዮዽያ)፣ ኢትዮዽያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ልምዓትን ተራድኦን ኮሚሽን/ኣዲስ አበባ ኢትዮዽያ /፣ ዩኒቨርሲቲ ሪሶርስ ኢንተርናሽናል (ብራይትን ዓባይ ብሪጣንያን) ፣  ዘ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ብርስቶል (ብርስቶል፣ ዓባይ ብሪጣንያን ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ሸፍልድ፣ ሸፍልድ ዓባይ ብሪጣንያ) ዝሓቖፈ’ዩ።

እዚ ቡድን ፕሮጀክት ካልኦት ዓርሶም ዝኸኣሉ ብዙሓት ሰብ ሞያታት ናይ ቴክኒክ መሳርሕቲ ብብዙሕ ዓቕሚ ነቲ ፕሮጀክት ክሕግዙ ዝኽእሉ ወገናት ከምኡ ድማ መማኸርቲ ቦርድ ብሓፈሻ ኣብ ቡድን ኣብ ዝብል ገፅ ዝተዘርዘሩ ይርከብዎ።

እዚ ዌብሳይት ናይዚ ፕሮጀክት ስትራተጂን ለውጥን አብ ምቅልጣፍን ሓደሽቲ ስራሕትን ልውውጥ ፍልጠትን አብ ምስርጫይ፣ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ አካላትን ቡድናት ናብ ሓደ መደብ ብምምፃእ ዘርፊ ስራሕቲ አብ ምፍላጥ ዝተፈላለዩ ዓይነት አስተምህሮታት አብ ምሃብን ሓዱሽ ምሕዝነት ንምምስራትን ይጠቅም። እቲ ዌብሳይት ውፅኢት መፅናዕቲ፣ አብ ተሳትፎ ማሕበረሰብ ዝፍጠር መዕበዪ ግንዛበ ስራሕቲ ልውውጥ ፍልጠት ብመደበኛነት ይሕተሙሉ ብተወሳኺ ድማ ቐረበት ገፅ እዚ ፕሮጀክት መዳርግቲ አካላት ከምካህናት፣ ነገረ መለኮት ሙሁራን፣ ሰልጠንቲ፣ ተሟገቲ ተለማመድቲ) ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ (ገዛ) ዝፍፀም መጥቃዕቲ ተመራመርትን ይሓቁፍ። አብዛሕኦም ቐረባትን ሃገራት መሠረት ዝገበሩ እንትኾኑ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ አብ ምቕናስ አብ ሃይማኖታዊ ማሐበረሰብ አብ ምስራሕ ዓለም አቀፍ አቀራርባ እውን ይክተል እዩ። እዚ ፕሮጀክት ስራሕቲ ብአምሓርኛ፣  ትግርኛ እንግሊዘኛን ክሕተም ይደሊ። እዚ ከምዚ እናሃለወ፣ ብቐዳሚነት ናይቶም መዳርግቲ አካላት ቋንቋን ድሌትን መሠረት ብምግባር ዝሰርሕ ይኸውን።

አብዚ ዌብ ሳይት ብዝቅመጡ ቀረባት ብምክፋል ምስ ካህናት፣ ሰልጠንቲ አማኸርቲ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ተመራመርቲን ተሟገትን ከምኡ’ውን ካልኦት መዳርግቲ አካላት ብምኳን ናይዚ ፕሮጀክት ዓላማ ብምሕጋዝ ስለ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምርዳእን አብ ሃይማኖትን  ባህልን ዘሎ መዐቀኒታት ከመይ አብ ስራሕቲ አስተዋጽኦ ከምዘለዎም ምርዳእ ይከአል።

ንሶም አብዞም ዝተጠቐሱ ስራሕቲ ውሽጢ እንተሃሊዮም ካፍቶም ሒሳቦምን ተሞክሮኦምን ንምክፋል አብዚ ፕሮጀክት ዓምዲ ከምዝተቐመጠ ምስቲ ፕሮጀክት ዋና ዓላማ ክኸይድ ዝክእል ፅሑፍ ከቕርቡ ይክእሉ እዮም። ንዝርዝሩድማ ናየ ፕሮጀክት ዓምዲ መምርሒ ክርእዩ ይክእሉ። እዚ ዓምዲ ቐረባት ዝቅበል ብኹሉ ዓይነት ቋንቋ ብዝተፈላለየ ፎርማት ድምጽን ምስልን እውን ሓዊሱ ምቅባል ይከአል እዩ።

አብዚ ናይ ምይይጥ ቡድንን ዲቪ- ስነ ፆታ እምነት /DV Gender-faith/ አብ ጀይ አይ ኤስ ሜይል /JISCMAIL/ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዓላማ ተገይሩ ዝተሰርሐ ተሟገትን ተመራመርትን ከምኡ’ውን ሃይማኖታውን መዳርግቲ አካላት ሓዱሽ መፅናዕቲ ንምክፋል፣ መሰልጠኒ ማተርያል ብምድላው ተሞክሮታት ንምክፋል ፅቡቅ ምዕባለታት ምህናፅን ብሓባርን ብዝጠንከረ መንገዲ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ አብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ትኩረት ገይርኻ ምስራሐ ይከአል።

ንጠቅላላ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ወይ ድማ ሓዱሽ ምሕዝነት ንምንፅብራቅ እንትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ናይ ኢ-ሜይል አድራሻ ምጥቃም ይክእሉ እዮም፣ soasflf@soas.ac.uk ። ብቀጥታ ንዶክተር ሮሚና አስታርቲ ዋና ተማራማሪት ክረክቡ እንተደልዮም ድማ ነዚ ኢሜይል እዚ ይጠቐሙ፣ ri5@soas.ac.uk ። ካልኦት አባላት እዚ ፕሮጀክት እንትደልዩ ድማዝደልዩዎ ዓይነት ፕሮጀክት ይግለፀልና ካብ ስራሕ ሰዓት ወፃኢን ደካማ ናይ ኢንተርኔት አቅርቦት አብ ዝህልወሉን እዋን ሓንቲ ጊዜ ተጠዊቓ እትሰድድ ርክብ አብ ዝብል ገፅ ዘሎ ዌብሳይት ይጠቐሙ።