Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

ድሕሪ ባይታ እዚ አርማ

ናይ’ዚ ፕሮጀክት ፅንሰ ሓሳብ ድልድል ብዝብል ቃል ይግለፅ፡፡ ድልድል ዝብል ቃል ናይ ፕሮጀክትና ዕላማ ብሙሉእነት ጠቕሊሉ ክገልፆ  ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ድማ ዝተፈላለዩ ሞያታት ዘርፍታትን መዳረግቲ ኣላትን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን ባህልን ዝርከቡ ብዝበለፀ ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀሙ ዓመፃት ትኹረት ብምግባር ይሰርሕ።

ድልድል ኣብ ፅኑዕ መሰረት ከምዝህነፅ ኩሉ እዚ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ባይታ ዘሎ ሃፍትን ተበግሶን ብምውሳድ ኣብ ፕሮጀክት ሃገራት ዝርከቡ ዝተጎድኡ ውልቀ ሰባት ይኹኑ  ማሕበረ ሰብ ብቐጥታ ብምግልጋል ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ምምፃእ እዩ።

እዙይ ፍሉይ ምልክት/ኣርማ/ ዝተቐረፀ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም ዓመፅ ንምርዳእ ጥራሕ ተሓሲቡ ዝተገበረን ኣብዚ ጉዳይ ዝኣተዉ ጉዳያት ናይ ዕላማና ራእይ ንምትሕልላፍ ምስ ሃይማኖታዊን ዓለማዊን መዳርግቲ ኣካላት ብቕንዕና ንምስራሕ እዩ።  እቲ ፃዕዳ ዓምዲ ዘርእዮ/ዝውክሎ/ ነቶም ናይ’ቲ ፕሮጀክት ዕላማ ንምስኻዕ ብሓባር ዝሰርሑ መዳርግቲ ኣካላት እዩ። እቲ ቀይሕ ቀለም ድማ ናይ ደም ምልክት ኾይኑ ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም ዓመፅ ዝበፅሐ ሓደጋን ስቓይን ዘመላኽት እዩ። እቲ ፀሊም ቆፅሊ ዝውክሎ ድማ ንብዓት(ብኽያት) እዩ። ካብቲ ድልድል ድማ ጠንካራ ጨናፍር ይዓብዩ። እዚኦም ድማ ናይ ተስፋን ናይ ዕብየት ምንቅስቓሳትን ምልክት እዮም። እቶም ዘፈራት /ጨናፍር/ ድማ ነንባዕሎም ዝተኣሳሰሩ እዮም። እዚ ድማ እቲ ኣብዚ ፕሮጀክት ክንፈጥሮ እንደሊ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምትእስሳር ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም ዓመፅ ንምቕናስ ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ ምልክት እዩ።

ነዚ ኣርማ ዝሰርሐ ኣቶ ዳንኤል ደስታ ሕሉፍ ክነመስግኖ ንፎቱ። ንሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮዽያ እዩ ዝነብር ምስ ዶ/ር ሮሚና ኢስትራቲ ድማ ቐረባ መሳርሕታ እዩ። ብፍሉይ መልክዕ ዝቐረፆ ኣርማ ድማ ነቲ ፕሮጀክት ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ።