Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

ጽዕንቶ

ናይ ለውጢ ስልቲ

ናይ ለውጢ ስልትና ካብቲ ዝሓለፈ አውሮፓዊ ማእከል ዝገበረ መርሃ ግብሪ  ዝፈልፈለ ናይ ለውጢ ትምህርቲ  ብምምሃር እዩ።  ዓብይ እምነትና ትርጉም ዘለዎም ለውጢታት መርከቢ መርሃ ግብርታት ብምምሃዝ ብተግባራዊ መረዳእታን ናይ ሕይወት ተሞክሮታትን መሰረት ብምግባር እዩ።  ብናይ አውሮፓዊያን ጽንሰ ሃሳብ መሰረት ተገይሩ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍጸሙ ጥቕዓታት አመልኪቱ ንዝግበር ጽንዓት ውፂኢቱን ተግባራዊነቱን  ኣብ ሕቶ ውሽጢ ዝአቱ እዩ። ምክንያቱ ድማ ካብ ግለሰብን ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብን ሓቂ ስለዝርሕቅ እዩ። እዚ ናይ ሕዚ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍጸም ጥቕዓት (ጥሕሰት መሰል) ወይ ድማ እዚ ጥቕዓት ንክበፅሕ አስተዋፅኦ ንዝገብሩ ሓቅታት ግንዛበ ንምዕባይ ንክበሃል ብዙሕ ጊዜ ተወሲዱሉ ናብ ኢትዮጵያ አመንትን አገልገልትን ካህናት  ካብ ዝተገበረ ጽንዓት ዝተረከበ እዩ።   እዚ ተሞክሮ ካህናት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ብዝፍጸም ጥቕዓት ምክንያት  ዝበፅሕ ጉድአት ግብረ መልሲ ወሃብቲ ንኽኾኑ  ድልውነት ምህላውን  ተአሳሰርቲ ዝኾኑ አውንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ናይ ዓለማውያንን ናይ ሃይማኖት ሰባትን ካልኦት መዳርግቲ አካላትን አዋሂዱ ህፁፅ ግብረ መልሲ ንምሃብ ስርዓት ንምህናፅን መረዳእታ ምዃኑ የረጋጋግፅ።

ዕላማ ድልድል ፕሮጀክት ብምትሕብባር ዘርፊ መዳርግቲ አካላትን ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ዘሎ ባህላዊ ልምድታት ብምምሃር ልውውጥ ፍልጠት ብምግባርን ዘሎ ለውጢ ንምምፃእ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ማሕበረሰብ ዝረአይ ልዕልነት ንምቕልባስን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ዝግበር መጥቃዕትን ትኩረት ብምግባር መጽናዕቲ ምክያድ ትኹረት ገይርና ንሰርሕ። እዚ ዓምዲ ዝተሰርሐ እዚ ዓላማ እዚ ንምስፋሕን ኣብዚ ርእሲ ዙርያ ብዝግበሩ መፅናዕትታት ዝርከቡ ሐደሽቲ ፍልጠታትን ንምፍላጥ እዩ። ቀረብ እዚ ዓምዲ ምስዙይ ፕሮጀክት ዝተአሳስር ዝኾነ ይኹን ርእሲ ንምቕራብ ይከአል። (ፕሮጀክት ዝብል ይርአዩ)።

እዚ አብ ማሕበረሰብ ዝተመስረተን ዝተቀናጀወን አቀራርባ ብሓገዝ ሰብ ሞያታት፣ ነፃ ፍቃድ  ተመራመርትን ተለማመድቲ ሞያን፣ ከምኡ’ውን  መዳርግቲ አካላትን ማሕበረሰብን ብምስታፍ እዩ። ብዘይካ ናይ እዚኦም ተሳትፎ ሽትኡ ከምዘይወቅዕ ድማ ንአምን። ስለዚ ናይዚ ፕሮጀክት ክልተአዊ መዳርግቲ አካላት ማሕበራዊ ስርዓት ምጥቃም የድሊ። ናይዚ ፕሮጀክት ዋና ዓላማ ድማ ለውጢ ከምፅእ ዝክእል ቡድን ምውቃር እዩ። እዚ ፕሮጀክት ካብ ሰለስተ ዓላማታት ዝፈልፈለ ዝርዝር መርሐ ግብሪ ዝምራሕ አንትኸውን “ለውጢ” ዝብል ፅንሰ ሐሳብ ምስ ካልኦት ሓደሽቲ ኩነታት ንምልማድ ክበሃል ትርጉሙ ክፍቲ ተገይሩ አሎ።

ናይዚ ፕሮጀክት ዓላማታትን ናይ ለውጢ ሜላታት

ናይዚ ፕሮጀክት ዓላማታት ከምዝስዕብ ተቐሚጡ አሎ።

1. ንሃገር በቀል ዝኮኑ አረአእያታት ክብሪ ብምሃብ ናይ መዳርግቲ አካላት ናይ ሓባራዊ ተጠቃሚነት መንፈስ ብምዕባይ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀሙ ጥቅዓታት ብዝግበሩ መፅናዕቲታት ላብ መግዛእቲ ነፃ ዝኾነ ናይ መፅናዕቲ ስልቲ ንክኽተሉ ምጥንኻር፤

2. ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ንዝበፅሑ ጥቅዓታት መፅናዕትን ተግባርን ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ስነ-ልቦናውን መዐቀኒታት ብምውሃድ ከምኡ እውን ዓለማዊ ብዝመርሖም ዘይመንግስታዊ ትካላት ጥሕሰት መሰል ብዝምልከት ናይ ሓገዝ ስርዓታት ንምምሕያሽ

3. ንዝፍጠሩ ፀገማትን ጉድአታትን ህፁፅ መልሲ ንምሃብ ንክኽእሉ ነቲ ከባቢ ብዝምጥን መልክዕ ምስራሕ ዝኽእልሉ መንገዲ ሃይማኖታውያን ሰራሕተኛታት ምስልጣን

ሀ. ምስዚ ፕሮጀክት መሳርሕቲ አካላትን መዳርግቲ አካላትን ብምትሕብባር ናይ ምይይጥ፣ ዝርርብን ስልትን ምጥቃም

ለ. ናይዚ መፅናዕትን ፕሮጀክትን ተግባራውነት ንምስታፍ ናይቲ ከባቢ ባሀልን ህዝብን መእኸል ዝገበሩ ሜላታት ምጥቃም

ሐ. ኣብ ኢትዮዽያ ፣ አብ ኤርትራ አብ ዩኬይ ዘለዉ ናይዚ ፕሮጀክት ተሳተፍቲ ቡድናት ንዕብየቶም አበርክቶ ካብ ዝገበሩሎም ፅቡቃት አጋጣሚታትን ፀጋታትን ምፍጣር

መ. ሓደሽቲ ውኢታት መፅናዕቲ ምሕታም፤ ዝተሓተሙ ፅሑፋት ድማ ነቲ ናይቲ ፕሮጀክት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ናይቲ ማሕበረሰብ ክፍሊታት ብቋንቆኦም ምብፃሕ

ሀ. ስልጠና ብምሃብ፣ ግንዛበ መጨበጢ ኩነታት ብምምችቻውን ቀጥታዊ ዝርዝርብ ብምፍጣርን መንግስቲ ብዝመርሖ ናይ ባህልን ናይ ሃይማኖትን መመዘኒ ብፅሒት ምምሕያሽ

ለ. ዝተፈላለዩ መርሐ ግብሪታት ንአብነት፡- ዓለማቀፋዊ ኮንፈረንስ ከምኡ’ውን ንኹሉ ሓቋፋይ ብዝኾነ መንገዲ ንመዳርግቲ አካላት ዘሳትፍ ፕሮጀክት ማእኸል ብምግባር ናይ ምይይጥ መድረኻት ብምድላው ፅቡቃት አጋጣሚታትን ናይ ፍልጠት ሽግግርን መድረካት ምምችቻው 

ሀ. ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለዉ ክፍተታት ብምግንዛብ፣ ዓቅሚ ንምዕባይ፣ ንካህናትን ንነገረ መለኮት ምሁራንን ከምኡ እውን ንተምሃሮ ተሓባቢርካ ምስራሕ፤ ናይ መሰልጠኒ ስርዓተ ትምህርቲ አወሃህባ ዘዴ ምምሕያሽ

ለ. ስለ ፆታዊ ዝምድና ሓዳርን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀሙ ጥቅዓታትን አመልኪቱ ጥልቅ ዝበለ ናይ ነገረ መለኮት አስተምህሮ ንካህናት ንምብቃዕ አሳታፍን አንፀባራቅን ወርክሾብ ምድላው 

ሐ. ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ንዝፍጠሩ ጥሕሰታት መሰል መፍትሒ ንምምፃእ ግልጋሎት ክህቡ ንዝክእሉ ናይቲ ከባቢ ሕጊ ናይ ስነ-ልቦናን ካልኦት ሰብ ሞያታትን ምቁፃር።