Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

እዚ መርበብ ሓበሬታ ልውውጥ ፍልጠትን ለውጢ ንምምፃእን ተሓሲቡ ዝተገበረ እዩ

ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ዓላማ ፍልጠትን ሓበሬታን ዝለዋወጠሉ ሥርዓት ብምዝርጋሕ ናይዚ ፕሮጀክት ኣካላት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ አካላት ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዘርፍታትን ሞያታትን ብምትሕብባር ሓደሽቲ ጥምረታት እውን ብምስፍሕፋሕ ኣብዚ ፕሮጀክት ናይ ፖሊሲ ለውጢ ምምፃእ እዩ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ በቢ እዋኑ ዝረኸቦም ናይ ፅንዓት ውፅኢታት ካብ ተሳትፎን ምዕባይ ግንዛበን ካብ ስራሕቲ ልውውጥ ፍልጠትን ዝረኸቦም ውፅኢታት ብቐዋሚነት የሐትም። እዚ እውን ሃፍቲታት (ቀረባት) ዘጠቓልል እንትኸውን ካብ ሕትመታቱ ድማ ንካህናት፣ ነገረ መለኮት ምሩቓን፣ መሰልጠንቲ፣ ተሟገቲ የካትት። እቶም ዝበዝሑ ቀረባት ኣፍተን ናይ ፕሮጀክት ሃገራት ዘተኩር እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝግበር መጥቃዕቲ ንምቕናስ ኣብ ዝገበር አስተዋፅኦ ኣብ ካልኦት ዓለማት ዝርከቡ አመንቲ ማሕበረ ሰባት እውን የካትት እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ብዋናነት ዝጥቀመሉ ናይ ሕትመት ቋንቋ ማሕበረሰብን መዳርግቲ አካላትን ብዋናነት ዝረኸብዎን ዝጥቀመሉን እኳ እንተኾነ ብአምሓርኛ፣ ብትግርኛን በእንግሊዝኛን ንምሕታም ድሌት አለዎ።

ንዝበለፀ መረዳእታ አፍቲ ናይ ለውጢ ፖሊሲ ዝብል መራኸቢ ይጠውጉ

ምህናፅ ድልድላት

Project dldl/ድልድል Annual Conference on Domestic Violence, Religion and Migration successfully hosted at SOAS University of London

On June 19-20 Project dldl/ድልድል held its Annual Conference 2024 on the topic ‘Domestic Violence, Religion and Migration: Integrating cultural and religious diversity in UK domestic violence and abuse services and developing a future roadmap for the sector.’

Read our media release here.

Read more about the Conference Outcomes here.

ናይዚ ፕሮጀክት ሐበራዊ ዓላማ ብዘለዎም  መራሕቲ “ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀሙ ጥቕዓታት ከመሐይሹ ዝኽእሉ ሃይማኖታዊ መፅናዕትታት፣ ኣብ ሥነ ፆታን  ልምዓትን ከምኡድማ ኣብ ናይሕዝቢ ጥዕና ስራሕቲ ምክያድ፣ ሐድሽ ሥርዓት ኣብ  ኢትዮጵያን አብኤርትራን  ኣብ ዩኬን “ ብዝብል  አብትሕቲ ዩኬ ናይ ምርምርን ናይ ፈጠራን ክፍሊ ዝድገፍ መርሃግብሪ እዩ።  ብፍራይንክ ጋገንሄይን ፋውንዴሽን ድማ ይሕገዝ።

ናይ ዩኬ ፈጠራን መፅናዕትን ፕሮጀክት ግልጽ ናይ ፍልጠት ተጠቃሚነት ፖሊሲ ከምኡውን ፍልጠት ከም መግዛእቲ ክተሐዝ የብሉን ኢሉ ብዝወሰዶ ቑርፂ ቕዋም ናይቲ ፕሮጀክት ውፅኢታት ንኹሎም ተጠቀምቲ ክፍቲ እዮም። ውፅኢታቱ ድማ ንግዳዊ ብዘይኾነ መንገዲ ኣብመዝገብ ኮመንስ አትሪቢውሽን ተቋም   ኣብ ትሕቲ ዓለምአቀፍ ሕዝቢ ፈቃድ ኾይኑ ይሕተም።እዚ ፍቃድ ንንግዲ ንትርፍን ብዘይውዕል መንገዲ  ናይ ሥራሕ ውፅኢቶም ንዘሕትሙ ዕድል ይህብ። ሐዱሽ ናይ ፅንዓት ውፅኢቶም ነዚ ፕሮጀክት አፍልጦ  ክህብ ይግባእ ንትርፊ ምውዓል ግን አይፍቀድን ብተመሳሳሊ ርዕሲ ምስራሕ’ውን ዝተኸልኸለ እዩ።

ካልኦት ናይ ስራሕ ውፅኢታት  ኣብ ድልድል ፕሮጀክት እንትጥቀሙ “ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ንዝፍፀሙ መጥቓዕቲ ንምቕናስ ንዝኽእዑ ሃይማኖታዊ መፅናዕትታት ስነ ፆታን ልምዓትን ከምእውን ሕዝባዊ ጥዕና ምኽያድ “ ኣብዝብል ርእሲ ንምስታፍ እንትደልዩ በይዞኦም ናይ ፀሐፊ ሽምን ዝተፅሐፈሉ ዓመተምሕረትን ብምጥቃስ አፍልጦ ይሃቡ።

ሕድሕድ ጽሁፍ ናይቲ ጸሐፊኡ ሃሳብ እምበር ናይ ዩኬ ናይ ምርምርን ፈጠራን ወይ ድማ ናይ ፍራንክ ጋገንሃይን ፋውንዴሽን አየንጸባርቕን።