Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

ድልድል ፕሮጀክት

ድልድል ፕሮጀክት፦ ሃይማኖታዊ መፅናዕትታት፣ ስነ-ፆታን ምዕባለን ማሕበረሰብ ጥዕና ኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ዘጋጥሙ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘጋጥም ዓመፅ ትኹረት ንምግባር የተአሳስር

ድልድል ፕሮጀክት ሃይማኖታዊ መፅናዕትታት፣ ስነ-ፆታን ምዕባለን ማሕበረሰብ ጥዕና ኣኣብ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ዘጋጥሙ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ /ስድራት ዘጋጥም ዓመፅትኹረት ብምግባር የተአሳስር። ድልድል ቃሉ ናይ ትግርኛ እንትኸውን እቲ ቃል ድማ ኣብ ኢትዮዽያን ኤርትራን ይንገር። እዚ ቃል ነዚ ፕሮጀክት ብሙሉእነት ዝገልፅ እንትኸውን ትርጉሙ ድማ ዝተፈላለዩ ሞያታት፣ ዘርፊ ስራሕቲ፣ መዳርግቲ ኣካላት ብምርኻብ፣ ብሓባር ብምዃንን ብዝተአሳሰረ ኹነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን ባህልን ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ትኹረት ገይርኻ ምስራሕ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ዘሎ ባህሊ ናይ ፍልጠት ልውውጥ ብምግባር እቲ ኣብ ደቡብ ማሕበረሰብ ዘሎ ሉኣላዊነት ዘርኢ ታሪክ ብምቕያር ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲን ስነ-ፆታን ንምፅናዕን ንምትግባርን ይጠቅም።

ድልድል ፕሮጀክት ናይ ምህዞን ምርምርን ፕሮጀክት እንትኸውን ሃይማኖታዊን ባህላዊን ኩነታት ብምምዕባልን ብምጥንኻርን ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም ዓመፅ ንምቕናስ አብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዓባይ ብሪጣንያ ይሰርሕ፡፡ ድልድል ዝብል ቃል ናይ ትግርኛ ቃል እንትኸውን ብዶክተር ኢስትራቲ መሃዛይነት ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮዽያ ኣብ ናይ ሕሉፍ ነዊሕ እዋን መፅናዕቲ ፒ ኤች ዲ ንቡዙሓት ዓመታት ምስ ኣብ ኣክሱም፣ መቐለን አዲስ አበባን ዝርከቡ መሓዙት መስርሕን ብምምኽኻርን ብምምይያጥን ዝተሰርሐ እዩ። ሓደሽትን ነባራትን መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ እንትኸውን ብትምህርቲ ትካላትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝትሃነፀ እንትኸውን ከም ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ /ኣክሱም ኢትዮዽያ/፣ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ (መቐለ ኢትዮዽያ) ማሕበረሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮዽያ (ኣዲስ ኣበባ ኢትዮዽያ)፣ ናይ ኢትዮዽያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ልምዓትን ተራድኦን ኮሚሽን/ኣዲስ ኣበባ ኢትዮዽያ /፣ ዩኒቨርሲቲ ሪሶርስ ኢንተርናሽናል (ብራይትን ዓባይ ብሪጣንያን) ከምኡ’ ውን ምስ ሃፍቲ እቲ ቅርንጫፍ ዋኒነይ( ኣስመራ፣ ኤርትራ) ዘ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ብርስቶል (ብርስቶል ዓባይ ብሪጣንያን፣ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ሸፍልድ፣ ሸፍልድ ዓባይ ብሪጣንያን) ዝሓቖፈ እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ መግዛእታዊ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ትሑትን ማእኸላይ እቶት ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ካብ ዘሎ ተሞክሮን ዝፍልፍልን ንምፍላጥ ዝግበር ቆራፅነት እዩ ብታሪክ ናይ ማሕበረሰብ ጥዕና፣ ስነ-ፆታን ምዕባለን ምስ ሃይማኖታዊ እምነታትን እምነት መሰረት ኣርኣእያታትን ዘለዎም ምትእስሳራት ተዘንጊዑ እዩ። በዚ ሐዚ እዋን ግና ጉዳያት ብሄራት ዘርኢ/ዓሌት/ ትኹረት እናረኸቡ ምስ መፁ ብዙሓት ናይ እምነት ተወሳእቲ ኣብዚ ስራሕ ዋላ ይፀመዱ ሐዚ’ ውን ብዙሕ ዝቐሪ ነገር ከምዘሎ የርኢ፡፡ እዚ ድማ ምስ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ዘሎ ምትእስሳራት ትሕዝቶ መሰረት ገይርኻ ዝግበር ነኒባዕሎም ከመይ ምትእስሳራት ከምዝግበር ዘሎ ምርዳኣት ስነ-ፆታ ዝምልከት ዘለዉ ልዲደታት ናይ ሕድሕድ ሰብ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍጠር ዓመፅ ኣብ ሃይምኖታዊን ባህላዊን ዘሎ ዝተፈላለየ ትውፊት ዘሎ ስነ-ልቦናዊ ግብረ መልሲ ብዙሕ ይተርፎ እዩ። ኮይኑ ግና ሃይማኖት ብዝምልከት ናይ ምዕራባዊያን ኣተሓሳስባታት ዓለማዊነት ዘለዎን ግልፂ ዘይኮነ ተሞክሮታትን ይንፀባረቑ እዮም።

እዚ ፕሮጀክት ኣኣብ ኢትዮዽያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ማሕበረሰብ ኣብ ሰሜን ኢትዮዽያ ኣብ ሕሉፍ ዘርኢ/ባህሊ/ ደቂ ሰባት መሰረት ገይሩ ዝተሰርሐ መፅናዕቲ ዝተደረኸ እዩ። እዚ ድማ በቲ ናይ መፅናዕቲ ውፅኢት ዝምራሕ ኾይኑ ዘሎ ሃይማኖታዊ ቋንቋ ርድኢትኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ካህናት ይኹኑ ዓለማዊያን ሰባት ከመይ ከምዝርድእዎ ኣብ ሰሜን ኢትዮዽያ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገፀር ዘሎ ማሕበረሰብ ዘሎ ምርዳእን ብዋናነት ድማ መርዓን ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ምትህውዋኻት ናይ ካህናት ኣስተምህሮን ኣተዓራቅነትን ዘርኢ እዩ። ኣብዚ ገለገሊኦም ካህናት ነዚ ውስብስብ ኣፀጋሚ ኩነታት መልሲ ኣብ ምሃብ ሕፅረት ዓቅምን ምድላዋትን እንትህልዎም ገሊኦም ድማ ናይ ነገረ መለኮት ትምህርቲ ዘለዎም ነዚ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም የሪኢየና። ናይ’ዚ መፅናዕቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ኣብ YouTube channel of Cambridge Centre for Christianity Worldwide ምርአይ ይከአል።

እዚ ፕሮጀክት ካልኦት ኣብ ኢትዮዽያ ዝተኻየዱ መፅናዕቲታት’ውን ኣካቲቱ እዩ። እዚ ድማ ዝበለፀ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት፣ ካህናትን ነገረ መለኮትን ኣብ መከላኸሊ ሜላታት ከምኡ ድማ ፀገም ኣብ ዘብፅሑ ወገናት ንምስትኽኻል ናይ እምነት/ሃይማኖት/ ግደ ንዝተጎድኡ ወገናት ድማ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ንዝግበሩ ፕሮግራማት ዓቢይ ግደ ኣለዎ። እቲ መፅናዕቲ ኣብ ፍፃመታት ብቐጥታ ብምእታው ካህናት ዓቅሚ ነገረ መለኮት ትምህርቶም ንኽዓቢ ዝተፈላለዩ ዎርክሾፓት ብምክያድ ኣብ ጉዳያት መርዓ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ፣ ጉዱአት ከመይ ምሕጋዝ ከምዝከኣል፣ ጉደኣት ዘብፅሑ ኣካላት እውን ከመይ ምምላስ ከምዝከኣል ኣጣሚሩ ዝሓዘ እዩ። ኣጠቓሊልካ እንትርአ ናይ’ዚ ፕሮጀክት ዕላማ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምጥማር ኣብ ኢትዮዽያ ዘለዉ መንግስታዊ ይኹኑ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀሙ መጥቃዕታት ጠጠው ክብል  ዝሰርሑ ዘርፍታት፣ መራሕቲ ሃየማኖትን ካህናትን ብዝበለፀ ብምትእስሳር ኣብ ኢትዮዽያ ዝለዓለ ፃዕሪ ክገብሩ ምኽኣል እዩ።

ኣብ ኢትዮዽያን ዝግበር መፅናዕቲ ዘሎ ናይ ፍልጠት ልውውጥ ስራሕትን ትዕዝብትን ኣብ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስምዒታት ንምምሕያሽ ከምኡ ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዓውዲ ቤተሰባዊ ዓመፅ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ዘሎ ዝተፈላለየ ብሄረሰብን ሃይማኖትን ንስደተኛታት ኤርትራን ኢትዮዽያን እውን  ይምልከቶ’ዩ ። መረዳእታ ከምዝሕብሮ ኣብ ስደት ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብንፅፅር ዝለዓለ ቤተሰባዊ ዓመፅ ይርኣዮም። ይኹን እምበር ድሌት ኣብ ምምላእ ግና እቶም መርበብ ሓበሬታታት ዘርፊ ቤተሰባዊ ዓመፅ ክማላእ አይተኸኣለን። እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዩኬይ ፅዑቓት ስራሕቲ ብምክንያት እቲ ሐዚ ዘሎ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ስምዒታት ዘለዎ ብርኪ ብምፅናዕ መዳርግቲ ኣካላት ብዝበለፀ ብምትእስሳር ዝበለፀ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘሎ ዓመፅ ኣብ ምሕጋዝን ሓጋዚት ኣብ ምጥንኻርን ኣብ ትሑት ብሄረሰባት ተመዛበልትን ስደተኛታትን ማሕበረሰባትን ሓቒፉ ይሰርሕ።

እዚ ፕሮጀክት ውፅኢት መሰረት ብምግባር ኣብ ማሕበረ ሰብ ዝተደረተ መፅናዕቲ ብቅንዕናን ተለዋዋጣይ ብዝኾነ ኣከያይዳ ብምኽኻርን ብሕብረትን ዕላማ ገይሩ ዝስራሕ እንትኸውን ካብ ሰሜናዊ ክፋል ማሕበረሰብ ናብ ደቡባዊ ክፋል ማሕበረሰብ ፍልጠትን ተመኩሮን ብምሽግጋር ዝግበር መፅናዕቲ እዩ። እዚ መርህ እዚ ኣብ ምስረታ ድልድል  ፕሮጀክት ዕላማ ገይሩ የገልግል።

ዋና ስትራተጂና ድልድል ብምስራሕ ኣስተምህሮታት ብምስላጥ ምስ ሓደሽቲ መሳርሕቲ ብምዃን ናይ ፍልጠት ልውውጥ ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘርፍታት ትምህርቲ ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም ዓመፅ ብመፅናዕትን ተግባርን መላሚታዊ ለውጢ ምምፃእ እዩ። ካብኣቶም ድማ፡-

  • ምስ መሳርሕትን ቁፃራትን ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ብምምኻር ምስራሕ
  • ትሕዝቶ መሰረት ዝገበረ ፍልጠትን ሓደሽቲ መረዳእታታትን ምህናፅ
  • ምስቲ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘጋጥም ዓመፅ መሰረት ስራሕትን ተበግሶታትን ምትእስሳር
  • ብስራሕቲ ልውወጥ ፍልጠትን ምሕዝነትን ዕዳጋ ብምፍጣር ምምሃር

እዚ ፕሮጀክት ብዙሕት ትፅቢት ዝተገበረሎም እታወታትን ሓፈሻዊ ውፅኢታትን አለዉዎ። ካብኣቶም ድማ፡-

  • ኣብ ብዙሓት ባህልታት ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ትኹረት ምግባርን ሃይማኖታዊ መፅናዕትታት ዕብየትን ማሕበረሰብ ጥዕናን ምትእስሳር፣
  • ኣብ ናይ ፕሮጀክት ሃገራት ስርዓተ- ትምህርቲ ብምክታት ንሰልጠንቲ ምምሃር፣ ብዙሓት ቋንቋታት ኣብ ዝዝረበሉ ኩነታት ብምስሊ ዝተደገፈ መደባት ምድላው፣ መሰልጠኒ ማተርያላት ንካህናትን ተሟገትቲ ቤተሰባዊ ዓመፅን ምድላው፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዘርፍታት ስራሕ ናይ ፍልጠት ልውውጥ ግልጋሎት ዕላማ ገይርኻ ምሃብ፣
  • ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ቋንቋታት ብምጥቓም ዓቅሚ ንዘለዎም ናይ ሙከራ ፕሮግራማት ብምድላው ንተጎዳእትን መብፀሕቲ ጉድአትን ምሕጋዝ፣

እቲ ፕሮጀክት ለውጢ መሰረት ዝገበረን  ዓላምኡ ንምውቓዕ ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ናይ’ዚ ፕሮጀክት ቡድንን ይሰርሕ። ካብኣቶም ድማ፡-

  • ካህናትን ሰልጠንትን ብዝበለፀ ብምድላው ንኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ምሃብ፣
  • ቤተሰባዊ ጥቅዓት ዝበፅሖም ህዝብታት ብዝበለፀ ንምሕጋዝ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ሜላታት ብምጉላህ ዝትኣሳሰር ስራሕ ምስራሕ፣
  • ንሓባራዊ ረብሓ ሞያዊ ምሕዝነት ብምምዕባል ንዝተፈላለዩ ኣካላት እዚ ቡድን ዘለዎም ብርኪ ከባቢ ብዘየገድስ ምሃብ።

ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ዝበለፀ ሓበሬታ እንተደልዮም ዋና ተመራማሪት ዶክተር ሮሚና ኢስትራቲ (ri5@soas.ac.uk) ወይ ድማ ነዚ ፕሮጀክት ዘገልግል ኢሜይል (soasflf@soas.ac.uk) ምርካብ ይከኣል።