Coming soon!

This language is currently in review and will be available soon!

መደብ (ዓምዲ)

ናብ መደብ ተመላስ

ዕላማ  ድልድል ፕሮጀክት ብምትሕብባር ዘርፊ መዳርግቲ አካላትን ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ዘሎ ባህላዊ ልምድታት ብምምሃር ልውውጥ ፍልጠት ብምግባርን ዘሎ ለውጢ ንምምፃእ እዩ። ብፍላይ   ድማ ኣብ ሰሜን ማሕበረሰብ ዝረአይ ልዕልነት ንምቕልባስን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ዝግበር መጥቃዕትን  ትኩረት  ብምግባር መጽናዕቲ ምክያድ ትኹረት ገይርና ንሰርሕ።

እዚ ዓምዲ  ዝተሰርሐ እዚ ዓላማ  እዚ ንምስፋሕን ኣብዚ ርእሲ ዙርያ ብዝግበሩ መፅናዕትታት ዝርከቡ  ሐደሽቲ  ፍልጠታትን ንምፍላጥ እዩ። ቀረብ እዚ ዓምዲ ምስዙይ ፕሮጀክት ዝተአሳስር ዝኾነ ይኹን ርእሲ ንምቕራብ ይከአል። (ፕሮጀክት ዝብል ይርአዩ)። እቲ  ርእሲ ድማ ዝስዕቡ ነገራት ክገልፅ ይግባእ:-

  •  ሃይማኖታዊ እምነታትን ናይ ወቀዲሰብ ሥነልቦናዊ አተሐሳስባን ምስ ኣብ ቤተሰብ ውሽጢ ዝግበር ዓመፅ ዘለዎ ምትእስሳር
  • ካህናት ምሁራን  ነገረ መለኮት፡ሃይማኖታዊ አተሐሳስባታት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝግበር  ዓመፅ ዘለዎም ቅዋምን ኣብ ሥነልቦናዊን ማሕበራዊን ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዘለዎም ሚናን ውፅኢታዊነትን።
  • ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ  ዝግበር ዓመፅን  ሥነ-ፆታ ፣ሥርዓተ  ጋብቻ/ኩነታት ሓደር) አመልኪቱ ካህናት ኣብ ምስልጣን ዝተገበሩ   ፃዕርታት
  • ብዛዕባ  ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝግበሩ ዓመፃት ዘለው ተሞክሮታትን ምላሻትን ምስ ስደተኛታትን አናሳ  ብሄረሰባትን ተአሳሲቱ ዘሎ ኽብደትን እምነትን

በዚ መሠረት ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ብእትደልዩዎ ቋንቋ ዓመድታትና  ማለት’ውን  ተመራመርቲ፣ ተለማመድቲ፣ ሰብ ሞያ ሥነ-ልቦና፣ ማሕበረሰባዊ ሠራሕተኛታት፣ ካህናት፣አሰልጠንቲ ፣ መነቓቐሕቲ ማሕበረሰብ ክተቕርቡ ንዕድም። አብዚ ዓምዲ ክቕርቡ ዝግብኦም ጽሑፋት ትዕዝብታዊ መፅናዕትታት ፣ ትምህርታዊ ርእስታትን ካብ ትካላት መርሀ ግብርታት ዝተረኸቡ  ሐደሽቲ  ውፅኢታት መፅናዕትን፣ ኣብ ዘርኢ ወዲሰብ ዝተአሳሰሩ መፅናዕትታት፣ ወይም ንዚ ዝአመሳሰሉ ካልኦት ኣብ ማ/ሰብ ብትኹረት ዘሕሰቡ  ጉዳያት ክቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ካልኦት  ካብ መግዛእቲ ነፃ ዝኾነ ነገራትውን  እንቕበል እንትንኸውን  ነዚ እንምርሐሉ መምርሒ ድማ ኣብ ካብ መግዛእቲ ነፃ ትዕዝብቲ  ዝብል ይርአዩ። እንቕበሎም ዓይነታት ቐረብ ብፅሁፍ ፣ ብድምፂ፣ ብዝራአዩ ነገራት፣ ብፖስተራት፣ ብግጥሚ፣ ብመልክዕ ሙዚቃ ኽከውን ይኽአል። ኩሎም ዓይነት ቐረባት ነናይ ባዕሎም መምርሒ ስለዘለዎም ነዚ ዝስዕብ ምርአይ ይከአል። /ካብ መግዛእቲ ነፃ ዝኮነ ትዕዝብቲ/

ካብቶም ዝተቐመጡ ዓምድና ምኳን (መቅረባይ) ንምኳን ድሌት እንተሃልይዎም ነዚ ፕሮጀክት ዝምልከት Soasflf@soas.ac.uk ብምርካብ  ስምምዕነትን ዘቕርቡሉ ግዜን ምምይያጥ ይከአል።

ናይ ጽሑፍ ቐረባት

ንውሓት:- ቐረባት ካብ 800 ክሳዕ 1200 ቃላት ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ዝነውሕ እንተ ኾይኑ ድማ ተዘራርብካ ንምስንን ንምምችቻውን ምስቲ ቡድን ምዝርራብ የድሊ።

ዝርዝር አቀራርባ:- ኩሎም ቀረባት  ብዎርድ ፋይል፣ ብታይምስ ኔው ሮማን፣ ብመጠን ፊደል 12፣ ድርብ ቦታ ክኸውን ይግባእ። መጣቐሲታት አብ መራኸቢ ገፅ ጠቐምቲ መፃሕፍትን ምስ ሙሉእ መጣቐስቲ መፃሕፍትን ክቅመጥ ይግባእ። ፀሓፎ ድማ ንኩሉ ክፍቲ ዝኮነ ቐረብ ክጥቀሙ ይበረታታዕ። እዚ ድማ ብፍላይ ካብ ዩኬይ ወፃኢ ንዝኾኑ ይጠቅም እቶም መጣቐሲታት ድማ  the APA Referencing Style. ክክተሉ ይግባእ።

ቀጥታ ጥቅስታት /ከም ምስክርነት ዝአመሰሉ/ ብድርብ ትዕምርተ ጠቅሲ ክቅመጡ ይግባእ። ጥቅስታት ንውሓቶም ልዕሊ አርባዓ ቃላት ንዝኾኑ ፀጋማይ መስመር ብምትሓዝ ብየማን 1 ሳ.ሜ፣ ኖርማል ፎንት ብዘይ ትዕምርተ ጥቅሲ ይቅመጡ። አጠቃቅማ ፊደላት ድማ ብዝግባእ ክውመጥ ይግባእ። 

መትከላት ስነ-ምግባር:- ኩሎም ትሕዝቶታት ንመፅናዕትን ምርምርን ዝምጥንን ንዘይግባእ ነገር ንዘይምውዓልን አብ ግምት ውሽጢ ብዘእተወ መንገዲ ከምኡ ድማ ዓለማቀፋዊ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መፅናዕትን ትግበራን ግምት ዘእተወ ክኸውን አለዎ። ካብ ተሳተፍቲ ዝርከብ ሓበሬታ ዝርከብ ሓበሬታ ድማ ንጥንቃቀ ሓበሬታ ዝተቐመጠ ሕጊ መሰረት ክኸውን አለዎ። ነዚ ግልፂ ዘይኮነሎም ተሳተፍቲ አካላት እንተሃልዮም ምስዚ ፕሮጀክት ቡድን ክዘራረቡ/ክራኸቡ ይግባእ/።

ፍቃድን መሰል ፀሓፋይን፡- ቀረባት አብቲ ናይ ፈጠራን ንንግዲ ዘይውዕልን (CC BY-NC 4.0) ዓለማቀፍ ህዝባዊ ፍቃድ ዘለዎ ድህረ ገፅ ዝህተምህን ናይቲ ፀሓፋይ ገላፃይን ይኸውን። እዚ ማለት አብቲ ፕሮጀክት ድህረ ገፅ ዝሕተም ፅሑፍ ናይቲ ፀሓፋይ መሰል ይትሕዝ አሎ ማለት እዩ።  ብተወሳኺ ድማ ዝኾነ ሰብ ነቲ ፅሑፍ ብዝኮነ አመክንዮአዊ ናይ ህዝቢ ረብሓ ንንግዲ ግን ዘይኮነ ክጥቀመሉ ይክእል እዩ። ነቲ ፀሓፋይ ነቲ ፕሮጀክት ንንግዲ ብዘይኮነ መንገዲ ንምስብጣር ከምዘሎ ንምጥቃም ይኩን አብቲ ፕሮጀክት ተወሳኪ ነገር ንምስራሕ ይፍቀደሉ እዩ። ሓደሽቲ ስራሕቲ አብ ዝስርሑሉ እዋን ናይቲ ፕሮጀክት ዌብሳይትን ነቲ ኦርጂናል ሓታማይን ንንግዲ ብዘይኮነ መንገዲ አብ ዝጥቀሙሉ እዋን አፍልጦ ክህቡ ይግባእ። ኮይኑ ግና ካብ ካልእ ንዝውሰዱ ስራሕቲ ሓደ ዓይነት ቃላት አፍልጦ አይወሃቦምን።

ናይ ድምፅን ምስልን ቀረባት

ዓይነታት አስተዋፅኦ:- ናይ ድምፂ ቀረባት ከም ዝርርብ፣ ደርፊ፣ ቃላዊ ትረካ፣ ውልቀ ርኢቶታት፣ ስነዳ ባህሊ/ዘርኢ/ ደቂ ሰባት፣ ቃለ መሕትት ወይ ድማ ቀረፃታት ምይይጣት የጠቓልል።  ናይ ምስሊ ዓይነታት ድማ ከም ብነፀላ ይኩን ብእኩብ ዝተልዓሉ ቅርፅታት፣ ስእልታት ፓስተራት ወይ ድማ ስእላዊ መግለፂታት የጠቓልል።

ንውሓት:- ናይ ድምፂ ዓይነታት ብፍሉይ መልክዕ ዝተቀረፁ ተዘይኮይኖም ልዕሊ 20 ደቒቓ ክኾኑ የብሎምን። ናይ ምስሊ መግለቲታት ድማ ምስ ሓፀርቲ መግለፂታቶም ልዕሊ 10 ስእልታት ክኮኑ የብሎምን። ኩሎም ዓይነት አበርክቶታት ምስቲ ዋና ዓላማ እቲ ፕሮጀክት ዝዛመዱ ምዃኖም ንምፍላጥ ምክክር የድልዮም እዩ።

ፎርማት አቀራርባ፡- ናይ ድምፂ ዓይነት መበርከቲ አካላት  አብ ‘ሳውንድ ክላውድ’ ነፃ አካውንት ክከፍቱ ይምከር። እዚ ድማ ናይቲ ትሕዝቶ ፈጠርቲ አካላት ምዃኖም መግለፂኦም እዩ። ናይ ድምፂ ቀረፃታት ብኦፍላይን አብ ናይ ግሎም መግረፂታት ክስርሑ ይክእሉ እዩም። ብድሕሪኡ ድማ ተቐባልነት ብዘለዎ ፎርማት አብ ‘ሳውንድ ክላውድ’ ይሕተሙ። ሓደ ጊዜ ምስተሓተሙ መበርከቲ አካላት ናብቲ ዓምዲ ኮፒ ብምግባር ብመርበብ ክልእኹዎ ይክእሉ እዮም። ናይ ምስሊ አበርክቶታት ድማ jpeg (or jpg)  ፎርማት ወይ ድማ ምስሊ ብማይክሮሶፍት ኦፊስ ጥቅልል / እዚ ማለት ዎርድ፣ ኤክስኤልን ወይ ድማ ካልእ ዓይነት ቅርፂ መሳርሒ/  እዚ ድማ እቲ ዝለዓለ ድሙቅነትን ተረአያይነትን የረጋግፅ። 

መትከላት ስነ ምግባር፡- ኩሎም ትሕዝቶታት ንመፅናዕትን ምርምርን ዝምጥንን ንዘይግባእ ነገር ንዘይምውዓልን አብ ግምት ውሽጢ ብዘእተወ መንገዲ ከምኡ ድማ ዓለማቀፋዊ አብ ውሽጢ ቤተሰብ ዝፍፀም መፅናዕትን ትግበራን ግምት ዘእተወ ክኸውን አለዎ። ካብ ተሳተፍቲ ዝርከብ ሓበሬታ ዝርከብ ሓበሬታ ድማ ንጥንቃቀ ሓበሬታ ዝተቐመጠ ሕጊ መሰረት ክኸውን አለዎ። ነዚ ግልፂ ዘይኮነሎም ተሳተፍቲ አካላት እንተሃልዮም ምስዚ ፕሮጀክት ቡድን ክዘራረቡ/ክራኸቡ ይግባእ/።

ፍቃድን መሰል ፀሓፋይን፡- ቀረባት አብቲ ናይ ፈጠራን ንንግዲ ዘይውዕልን (CC BY-NC 4.0) ዓለማቀፍ ህዝባዊ ፍቃድ ዘለዎ ድህረ ገፅ ዝህተምህን ናይቲ ፀሓፋይ ገላፃይን ይኸውን። እዚ ማለት አብቲ ፕሮጀክት ድህረ ገፅ ዝሕተም ፅሑፍ ናይቲ ፀሓፋይ መሰል ይትሕዝ አሎ ማለት እዩ።  ብተወሳኺ ድማ ዝኾነ ሰብ ነቲ ፅሑፍ ብዝኮነ አመክንዮአዊ ናይ ህዝቢ ረብሓ ንንግዲ ግን ዘይኮነ ክጥቀመሉ ይክእል እዩ። ነቲ ፀሓፋይ ነቲ ፕሮጀክት ንንግዲ ብዘይኮነ መንገዲ ንምስብጣር ከምዘሎ ንምጥቃም ይኩን አብቲ ፕሮጀክት ተወሳኪ ነገር ንምስራሕ ይፍቀደሉ እዩ። ሓደሽቲ ስራሕቲ አብ ዝስርሑሉ እዋን ናይቲ ፕሮጀክት ዌብሳይትን ነቲ ኦርጂናል ሓታማይን ንንግዲ ብዘይኮነ መንገዲ አብ ዝጥቀሙሉ እዋን አፍልጦ ክህቡ ይግባእ። ኮይኑ ግና ካብ ካልእ ንዝውሰዱ ስራሕቲ ሓደ ዓይነት ቃላት አፍልጦ አይወሃቦምን።